ኣዋልድን ኣንስትን ካብ ዝተፈላለዩ ኮማት ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤስያ፣ ቀረባ ምብራቕ ከምኡ’ውን ደቡብ ኣመሪካ ይኽንሸባ። ከከም ቦታን ኮምን ፍልይ ዝበሉ ኩነታት ኣለው – ዋላ ኣብ ሓደ ሃገር። እዚ ንመጠን ካብ ምኽንሻብ ዝተተንከፋ ኣዋልድን ኣንስትን ከምኡ’ውን ንዓይነትን ምኽንያታትን ናይቲ ተግባር እዩ ዝምልከት።
ህይወት ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳ ወይ ሕቡራት ሃገራት ነዋልድን ኣንስትን ካብ ምኽንሻብሲ ኣይከላኸልን እዩ። ኣብቲኦም ሃገራት ምኽንሻብ ኣዋልድ ሽሕ’ኳ ያታ ዘይኮነን ብፍጹም ዝተኸልከለን፣ ገና ካብ ፍሉያት ስድራታት ብዝኾነ እዩ ዝግበር። ናይ ምኽንሻብ ርከሳ ዘለወን ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ዘለዋሉ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፣ እንተላይ ኣብ መበቈላዊ ሃገረን ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ኤውሮጳውያን ሃገራት ዝነብራ ኣዋልድ ኣብ ዕረፍቲ ሃጋይ መገሻ ናብቲ መበቈል ሃገር ወለደን ክግበር እንከሎ ክኽንሸባ ከምዝኾና ይጋጠም እዩ።