ምኽንሻብ ኣዋልድ እንታይ እዩ፧

ኣብ ምኽንሻብ ኣዋልድ እቲ ጎደቦ ከምኡ’ውን እቶም ንኡስ ወይ ዕብይ ዝበሉ ከናፍር (ላብያ) ብቅሩብ ወይ ብብዙሕ ክቑረጹ እዮም።

ኣርባዕተ ዓይነት ይፍለዩ፥

ዓይነት 1 (ክሊቶሪደክቶሚ ወይ “ሱና“)፥ ብኸፊል ወይ ምሉእ ምድምሳስ ናይ ግዳማዊ ጎደቦ

ዓይነት 2 (ኤክሲስዮን)፥ ብኸፊል ወይ ምሉእ ምድምሳስ ናይ ግዳማዊ ጎደቦ ከምኡ‘ውን ናይ ንኡሳት ከናፍር ቨኑስ (ላብያ)

ዓይነት 3 (ኢንፊቡለሽን ወይ ናይ “ፈርዓን ምኽንሻብ“)፥ በቲ ምኽንሻብ ከምኡ‘ውን በቲ ምስፋይ ዕብይ ዝበሉ ከናፍር (ላብያ) እቲ መእተዊ መሸኒት ክጽበብ እዩ። ሓደሓደ ግዜ ዋላ እቲ ብግዳም ዝረአ ኣካል ጎደቦ ክድምሰስ እዩ፣ ግና ኩሉ ግዜ ኣይኮነን።

ዓይነት 4፥ ዝኾኑ ንብልዕቲ-መውለዲ ዝሃስዩ ካልኦት ኣገባብራታት፣ ከም ንኣብነት ምውጋእ፣ ነዃል ምግባር ወይ ብቀመማዊ ነገር ምንዳድ ብልዕቲ-መውለዲ።

እቲ ዓይነት ናይ ዝግበር ዘሎ ምኽንሻብ ኣዋልድ ካብ ሃገር፣ ከባቢ ከምኡ ድማ ጉጅለ ህዝቢ ይምርኮስ እዩ። ሓደሓደ ግዜ እቲ ዓይነት ዝካየድ ዘሎ ምኽንሻብ ምስቲ ግዜ ይቕይር እዩ። ዝኾነ ዓይነት ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ንጥዕና ኣዋልድን ኣንስትን ኣለዎ ከምኡ’ውን ን “መሰል ኣካላታዊ ፍጹምነት” ይጎድእ እዩ። ኣካላትኪ ከመይ ከምትሕዚ ከምኡ’ውን ኣካላትኪ/ነብስኺ ከመይ ከምዝተሓዝ ባዕልኺ ክትውስኒ ከምዝግብኣኪ ማለት’ዩ።

ዕድመ ኣዋልድ ኣብ ምኽንሻብ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ህይወት ንኣዋልድ ዝኽንሽባ ኮማት ኣለው። ካልኦት ምኽንሻብ ኣብ ዕድመ ኣርባዕተ ክሳብ ሸሞንተ የካይዱ ወይ ኣብ ምስጋር ናብ ብጽሕና።

ምኽንሻብ ኣዋልድ እንተላይ ናይ ደቀንስትዮ ኣካለ-ጉድለት እዩ ዝብሃል። ጥሕሰት መሰል ወድ–ሰብ እዩ ከምኡ‘ውን ንጥዕና ኣዋልድን ኣንስትን ይጎድእ እዩ። መሰላት ወድ–ሰብ ንኩሎም ሰባት ብቑዓት እዮም፣ ካብ ኣፍሪቃ፣ ኣውስትራልያ፣ ኤስያ፣ ኣመሪካ ወይ ኤውሮጳ መጺኦም ብዘይየገድስ፣ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ወይ ገና ቆልዑት ኮይኖም፣ ኣብ ዝኣምኑዎ ሃይማኖት ከምኡ‘ውን ሃብታም ዋላ ድኻ ይኹኑ ውን ብዘየገድስ። “ኣካለ–ጉድለት” ዝብሃል ስም ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ከምኡ‘ውን ካብ ኣፍሪቃውያን ኣንስቲ ተፈጢሩ፣ ንምኽንሻብ ኣዋልድ ክድምስሱ ደልዮም። እቶም ዝተመልከቱ ጉጅለታት ህዝቢ ነፍስወከፎም ኣስማት ይጥቐሙሉ። “ኣካለ-ጉድለት” ዝብሃል ስም ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ከምኡ‘ውን ካብ ኣፍሪቃውያን ኣንስቲ ተፈጢሩ፣ ንምኽንሻብ ኣዋልድ ክድምስሱ ደልዮም። እቶም ዝተመልከቱ ጉጅለታት ህዝቢ ነፍስወከፎም ኣስማት ይጥቐሙሉ።

This site is registered on wpml.org as a development site. Switch to a production site key to remove this banner.